
ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ
ባዕሉ ብዝፃሕተሮ ኵናት፣ ኣብ ኩሎም ግንባራት ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ዝለዓለ ስዕረት ዝጉልበብ ዘሎ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ኣብ ግንባራት ዝበፅሖ ዘሎ ከቢድ ውቅዒት ምፅዋር እንትኣብዮ ዓንፃ ዓንፆ ከምዝበሃል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብተደጋጋሚ የካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም እውን ንመበል 6ይ ጊዜ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ሽሙ ደንቦስኮ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቀበሌ 05፣ ንጉሆ ሰዓት 4:25 ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ብምክያድ ክሳብ እዚ ሓበሬታ ዝተዳለወሉ ኣብ ልዕሊ 10 ሰላማውያን ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ዝበፅሐ እንትኾን ኣብ ልዕሊ 21 ሰባት ድማ መጉዳእቲ ኣካል በፂሑ ኣሎ።
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም
መቐለ
(ስእሊ ካብ ኤመሓት)
You must be logged in to post a comment.