fbpx

ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ

ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ

ባዕሉ ብዝፃሕተሮ ኵናት፣ ኣብ ኩሎም ግንባራት ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ዝለዓለ ስዕረት ዝጉልበብ ዘሎ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ኣብ ግንባራት ዝበፅሖ ዘሎ ከቢድ ውቅዒት ምፅዋር እንትኣብዮ ዓንፃ ዓንፆ ከምዝበሃል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብተደጋጋሚ የካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም እውን ንመበል 6ይ ጊዜ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ሽሙ ደንቦስኮ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቀበሌ 05፣ ንጉሆ ሰዓት 4:25 ከባቢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ብምክያድ ክሳብ እዚ ሓበሬታ ዝተዳለወሉ ኣብ ልዕሊ 10 ሰላማውያን ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ዝበፅሐ እንትኾን ኣብ ልዕሊ 21 ሰባት ድማ መጉዳእቲ ኣካል በፂሑ ኣሎ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም
መቐለ
(ስእሊ ካብ ኤመሓት)

4910cookie-checkሎሚ 18 ጥቅምቲ 2014 አ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ
%d bloggers like this: