fbpx

ደራርቱ፣

ደራርቱ፣ ተጋሩ ኣትሌታት ብመንነቶም ምክንያት ኣብ ፀገም ኣብ ዝወደቕሉ እዋን ኣብ ጎኖም ብምኳን ንዓወት ክበቕዑ ዝሰረሐቶ ስራሕ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣፍልጦ ይህብሉ

-ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መቐለ፡2ጥሪ2015 ዓ/ም (ድወት) ረዳት ኮሙሽነር ደራርቱ ተጋሩ ኣትሌታት ብመንነቶም ምክንያት ኣብ ፀገም ኣብ ዝወደቕሉ እዋን ኣብ ጎኖም ብምኳን ንዓወት ክበቕዑ ዝሰረሐቶ ስራሕ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ብኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ዝተመረሐ ጉጅለ ሉኡኽ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮዽያ ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዘትዮ ኣሎ።

ደራርቱ ካብ ፈለማ እዋን እቲ ኹነታት ጀሚሩ ኣብ ጎኒ ሰላም ደዉ ብምባል ሰላማዊ ፍታሕ ትድግፍ ከምዝነበረት ዝተዛረቡ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ፈለምኡ ንሰላም ዝነበሮምን ዘለዎምን መትከል ዘይልወጥ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ፣ ህዝቢ ትግራይ ሐዚዉን ንስለ ሰላም ረዚን ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ብምባል፣ ወረርቲህዝቢ ትግራይ ይጭፍጭፉ ምህላዎም ሓቢሮም።

#ሙሉብርሃን ግደይ

55840cookie-checkደራርቱ፣

0 thoughts on “ደራርቱ፣

%d bloggers like this: