ዜና-ዓወት

 ዜና ዓወት


ጅግና ሰራዊትና ብወፍሪ ፀሓይ ብራቅ ዝጀመሮ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምኹላፍ ተንቀሳቂሱ ዝነበረ ሓይለ ፀላኢ ብምጭፍላቅ ልዕሊ 15500 ሰራዊት ፋሽሽት ኣብይ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡
 

 ፀላኢ ካብ ዕለት ነሓሰ 13 ክሳብ 15 2013 ዓ/ም ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲ ንግስጋሰ ሰራዊትና ክዓግት ኢሉ ካብ ደሴ ተበጊሱ ኣብ ከባቢ ጋሸናን ሃሙሲትን ብምቁራፅ ኣብ ከባቢ ደብረታቦር ዝነበረ ሓይልና ንምውቃዕ ሽድሽተ ክፍል ሰራዊት ማለት እውን ብተደጋጋሚ ብሓዱሽ ሓይሊ ዝመልኡ ክፍላተ ሰራዊት 11፣12፣ 21፣ 30ን52ን ሙሉእ ብሙሉእ መበል 51 ክፍለ ሰራዊት ሓደ ብርጌድን 6ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ብኽፋል ክሳተፉ ገይሩ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ልዕሊ 11 ሽሕ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣኽቲቱ እዩ፡፡ጅግና ሰራዊትና ነዚ ዓምቧኽ ሺሾ ሰራዊት ካብ ሰለስተ ኣንፈት ተበጊሱ ብዝወሰዶ ፀረ መጥቃዕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ክድምሰስን ክበታተንን ገይርዎ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ውግእ 6654 ዝሞቱ 4924 ዝቆሰሉ 174  ድሁል ሰራዊት ኣብይ ድማ ተማሪኾም ኣለው፡፡ዝተረፉ ከካብ ከባቢኡ ዝመፁ ምልሻ ድማ ተበታቲኑ ነናብ ዝመፀሉ ከይዱ ኣሎ፡፡ 

4ተ T72 ዘመናዊ ታንኪ ፣ 2ተ 122 ሚሊሜትር መድፍዕ ፣ 3ተ ዙ23 ብርክት ዝበለ ድሽቃ፣ ብሬንን ክላሽንን  ተተካስን ኣብ ኢድ ሓየት ሰራዊትና ኣትዩ ኣሎ፡፡

32 ዝተፈላለያ ተሽከርከርትን 11 ዓበይቲ ማሽነሪታትን እውን ተመንዚዑ ኣሎ፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብኣንፈት ደሴ ኣብ መንጎ ወልድያን መርሳን  ብድሕሪት ብምቁራፅ መረሳ ዝኣተወን ካብ ወርጌሳ ድማ ፊት ንፊት ዘየቃርፅን ተኸታታልን ፀረ መጥቃዕቲ ክገብር ፈቲኑ እዩ፡፡

ኣብዚ ግምባር ፀላኢ ኣለኒ ዝብሎ ዝተመረፀ ሓይሊ ፀንቂቁ ኣኽቲቱ እዩ፡፡ንቡዙሕ ዓመታት ፍሉይ ስልጠና ዝወሰዱን ክሳብ ኣፍንጨኦም ዘበናዊ ዕጥቂ ዝተዓጠቁ 3ተ ብርጌድ ኮማንዶን ሪፓፕሊካን ጋርድን 3ተ ሓይሊ ስፔሻል  ፎርስ ፍሉይ ዓቅምን ተኽእሎን ዘለዎም ኣሃዱታት  ብደጋፍነት ድማ መበል 64 ክፍለ ሰራዊት ብሙሉእን ሓደ ቦጠሎኒ መበል 23 ክፍለ ሰራዊት ሓደ ቦጠሎኒ ፌደራል ፖሊስ፣ ሓደ ቦጦሎኒ ምልሻ ደቡብ ወሎን ከምኡ እውን ውሱን ክፍል 6ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊትን ተሳቲፎም እዮም። 

ጅግና ሰራዊትና ካብ ዕለት 13 ክሳብ 17/2013 ዓ/ም ንተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልትታት ብዝወሰዶ ደምሳሳይ ፀረ መጥቃዕቲ ነቶም ፍሉያትን ሙሩፃትን ዝተብሃሉ ሰራዊት ኣብይ ምሩፅ ደምሳሳይ ውቅዒት ብምዕራፍ ሙሉእ ብሙሉእ ክምሸሹ ገይሩ ኣሎ፡፡

እቲ ቀንድን ብዝለዓለ ደረጃ ክዋጋእ ዝቀነየ ኮማንዶ ሪፐብሊካን ጋርድን እስፔሻል ፎርስን ወሳኒ ሓይሉ ተደምሲሱ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ግምባር  1831 መውታት 2006 ቁሱላት ኮይኖም ኣለው፡፡

ሓንቲ ታንኪ ብርክት ዝበላ ሞርተርን ናይዚ ዘመን ፍርያት ዝኾነ ዘመናዊ ናይ ሕድሕድ ዕጥቅን ኣፅዋር ንብረት ሓየት ሰራዊትና ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብድመር ኣብ ክልቲኦም ግምባር 8485 ሙውታት 6930 ቁሱላት 174 ድማ ሩኻት ኾይኖም ኣለው፡፡ 

5ተ ታንኪ ፣ 2ተ 122 ሚሊሜትር መድፍዕ 3 ዙ 23 ብርክት ዝበለ ሞርተር፣ ዲሽቃ፣ብሬን ካላሽንን ዘመናዊ ናይ ኮማንዶ ዕጥቅን ኣፅዋርን ንብረት ሓየት ሰራዊትና ኮይኑ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 44 ዝተፈላለያ ተሽከርከርትን ማሽነሪታትን ተመንዚዑ ኣሎ፡፡

 ኣበዚ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ፅንዓትን ጅግነነትን ዝሓተት ፅዑቅን ከቢድን ውግእ ብልዑል ጥበብን ብልሓት ውዲት ፀላኢ ሙሉእ ብሙሉእ ክብርዕን ዝገበርኻ በዓል መትከልን ዕላማን ዝኾንካ ጀግና ሰራዊትና ሕድሪ እቲ ፅኑዕ ሓላል ህዝቢ ትግራይ ኣፅኒዕኻ ፣ሓሶትን ፈኸራን ባህሪኡ ዝኾነ ክርዳድ ሰራዊት ኣብይ ሓምሺሽኻ፣ወታደራዊ ጥበብ እንታይ ምዃኑ ብተግባር ኣሪእኻ ኣፉ ዘኽድን እንታይ ምዃኑ ከይፈተው ክመሃሩ ገይርካ ኣለኻ፡፡

ደርሆስ ያ ክበሃል ሰሚዓ ተሓኒቃ ሞተት ከምዝበሃል ቆረፃ ዝበሃል ሰሚዖም ዝፈተንዎን ገፊሕ ወፍራ ብዝገርም ጥበብን ምትፅዕዓፍን ንባዕሎም ቆራሪፅኻ ንዘይተርፍ ዕንወቶም ዘዕሙቅ ድሙቅ ዓወት ዓቲርኻ ኣለኻ ሞሳን ክብርን ታንኪ ታንኪ ክቃፀል፣ክማረኽ ድፋዕ ንምስባር ዝቀዳደምን ዝስዋእን

 ህዝባዊ ሰራዊትና፡፡

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

 21 ነሓሰ 2013 ዓ/ም

490cookie-checkዜና-ዓወት

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: