መልእኽቲ ፕረዚዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መልእኽቲ ፕረዚዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል
~~~~~~~~
ሕዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እንኮ ኣማራፂ እዚ ናይ ሰላም እማመ ዝረገፀ ፋሽሽት ጉጅለ ብምድምሳስ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም ምግባር ጥራሕ እዩ!!

ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ሓርነታዊ ተጋድልኡ ፣ እንትርፊ ንምውሓስ ህላውኡን ድሕነቱን፣ ንምዕቃብ መንነቱን ታሪኹን፣ከምኡ’ውን ግዝኣታዊ ሓድነቱ ንምርግጋፅን ካብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ድሕረትን ንምንጋፍ ተገድዱ ዝኣተዎ እንተዘይኮይኑ፣ ናይ ካልኦት ህዝብታት መሰል ንምርጋፅ ወይ ከኣ ንምውራር ዓሊሙ ዘካየዶ ኲናት ፍፁም ኣይነበረን።

ይኹን’ምበር ብምኽንያት ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀሙ ቀፀልቲ ወራራት፣ ኣብ በቢምዕራፉ ንስለ ህላውኡ፣ መሰሉን መንነቱን ክብል መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቃልሲ ኣካይዱ’ዩ። በቲ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ድማ ንማንም እንከይተንበርከኸ፣ታሪኹ፣ ክብሩን መንነቱን እንከይተበረዘ፣ ሓርነቱን ክብረቱን ሓልዩ ክቕፅል ክኢሉ’ዩ። እንተኾነ መንነቱን ታሪኹን ኣውሒሱ ክቕፅል ዝኸኣለ፣ ብልሙፅ መንገዲ ተጓዕዙ እንከይኮነስ ኣዝዩ ከቢድ ፣ መሪርን ፈታንን መድረኻት፣ ተቐፂሮም ዘይውድኡ ሕልኽላኽ ብድሆታት ብጥበብ፣ብጥንቃቐን ብብቕዓትን ክሰግሮም ስለዝኸኣለን፣ ነብሲ ወከፍ ወለዶ ከኣ፣ ኣብ ነናይ ባዕሉ እዋን፣ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ኩሉ ዓይነት ቃልስን መስዋእትትን ስለዝኸፈለን እዩ ።

ኣብዚ መድረኽ’ዚ እውን ፀላእትና ካብቶም ዝሓለፉ እዋናት ብዝኸፍአ ደረጃ፣ ትግራይን ህዝባን ነበረያ ነበረ ክገብሩ ማእለያ ዘይብሎም ጋዓገልጠልን ተሓባበርትን ኣሰሊፎም ዳግም ቅሉዕ ወራር ፈፂሞም’ዮም። እንተኾነ ፀላእትና ከም ህዝቢ ከፅንቱና እኳ እንተወፈሩ፣ ከም ህዝቢ ሰሚርና ብዝለዓለ ፅንዓትን ብሄራዊ ስምዒትን ሳላዝተቓለስና፣ እንሆ ንኹሎም ክባታት ፈንፂሕና፣ ዕድመ ፀላእትና ንምሕፃርን ንመወዳእታ ግዜ ንምቕባርን ናብ እንኽእለሉ ብርኪ ተሰጋጊርና ንርከብ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፣ ዘላቂ ድሕነትን ህላወን ትግራይን ህዝባን ብዘተኣማምን ብርኪ ንምርግጋፅን ኣብ ድልዱል ሰረት ንምህናፅን ኣብ እንኽእለሉ ብርኪ ንርከብ። ሕዚ ገስጋስ ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ ደው ከብል ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን። ሕዚ ትግራይ ኣብ ልዕሊኣ ዘንፀላለው ናይ ጥፍኣት ደበና ንሓንሳብን ንመወዳእታን ጋሊሃ ናብ ሓዱሽን ዝተፈለየን ምዕራፍ ዘሰጋገር ሰፊሕ ዕድል ይገሃድ ኣሎ።

መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ቃልስን መስዋእትን ወለዶታት ዝተረከብናያ ዓዲ፣ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ብምቅላስ ንኹሎም ወረርቲ ኣላሽ ኣቢልና ብምቕባር፣ ንሕና እውን ከም ኩሎም ሕሉፋት ወለዶታት ናብቲ ዝቕፅል ወለዶ ክናመሓላልፋ ታሪኻዊ ሓላፊነት ኣብ እንግደዓና ወዲቑ ኣሎ። በዚ መሰረት እዚ ናይዚ መድረኽ ወለዶ እውን፣እዚ ኣብ እንግድዕኡ ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዝለዓለ ጅግንነትን ቆራፅነትን፣ ክብርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ኣውሒሱ ናብ ቀፀልቲ ወለዶታት ከምዘሰጋግር ንፃት’ውን እንተኾነ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ኣብዚ እዋን ብዘሎ ወለዶ ትግራይን ህዝባን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውሪዳ ምሕሳብ ኣይኮነን፣ ምሕላም እውን ዝከኣል ኣይኮነን።

ሙሉእ መዋእሉ ንፍትሕን ማዕርነትን ዝተጋደለ ህዝቢ ትግራይ፣ ዋጋን መቐረትን ሰላም ልዕሊኡ ዝፈልጣ ኾነ ዝደልያ ኣካል ክህሉ ኣይኽእልን። ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊኦም ክበፅሕ ዘይደልዩዎ ግፍዕን በደልን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት እውን ክበፅሕ ኣይምነዩን።ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንዝተፈፀሙ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕን በደልን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ኣካላት ኩሎም ኣብዝኣተዉዎ ኣቲና ፍርዶም ክረኽቡ ክንገብር ግድን’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ኣብ ዝተኣወጀ ጆኖሳይድ ዝተሳተፉ ኩሎም ናይ ኢዶም ከምዝረኽቡ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብዚ ሕድገት ዝበሃል ነገር ክህሉ ኣይኽእልን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ወረርቲ ሓይልታት ናይ ምፍፃም ደረጃ መሬት ዝወረደሉ፣ ናይ ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ታህዲድን ኩምራ ፈኸረን ዝጎደለሉ፣ ዕድላት ዝሰፍሓሉ፣ ልዕሊ ኹሉ ግን ናይ ምፍፃም ፅኑዕ ህዝባዊ ሰራዊትና ኣብ ኣዝዩ በሪኽ ደረጃ ዝበፅሓሉ፣ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ህላወን ድሕነትን ህዝብና ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምውሓስ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ትግራይ ዳግም ክትድፈር ናብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ጭቡጥ ተኽእሎ ከምዘለና ንፈታውን ፀላእን ክነፍልጥ ንደሊ፣ ስለዝኾነ ሕዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እንኮ ኣማራፂ እዚ ናይ ሰላም እማመ ዝረገፀ ፋሽሽት ጉጅለ ብምድምሳስ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም ምግባር ጥራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዜግነታዊ ግብኡ ክፍፀም ይፅውዕ።

ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ!
ሰላም!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም
መቐለ

5150cookie-checkመልእኽቲ ፕረዚዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: