ህዝባዊ

‘ህዝባዊ ኲናት ንምዕዋት ንኽተት’ ትንታነ ፅሑፍ
—-
ዕድመ ፀላእቲ ንምሕፃር መንእሰይ መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ክመልእ ናብ ቃልሲ ክኸትት ይግባእ፡፡
ውልቀ መለኽትን ፋሽሽታውያንን ተደምሲሶም ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብቐፃልነት ንኽረጋገፅ ይካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኲናት ምስዓር ብሕታዊ ኣማራፂ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ይምዝገቡ ዘለዉ መስተንክራዊ ዓወታት ብምቕፃል ዕድመ ፋሽሽታውያንን ገበቲ ሓይልታትን ንምሕፃር መንእሰይ መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ክመልእ ናብ ቃልሲ ክኸትት ከም ዝግባእን እናኸተተን ይርከብ፡፡

ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተበላሽዩ ኩሉ ነገር ንድሕሪት ክምለስን ላኣላውነት ሃገር ምስተደፈረ ዓዲ ናብ ሓደጋ ምፍራስ ተምርሕ ምህላዋ ዝተገንዘበ ህዝብን መንግስትን ትግራይ  ዘለዉዎ ስግኣታት ብተደጋገሚ ገሊፁ ነይሩ፡፡ ይኹን እንበር ነዚ ዘዳምፅ እዝንን ዘገናዝብ ኣእምሮን ዘለዎ ኣመራርሓን ሙሁር እየ በሃላይን ኣብቲ እዋን ብምጥፍኡ ፋሽሽትን ገበትን ሓይልታት ካብትን ካብዝን ተኣኻኺቦም ዝተዋደደ ትልሚ ብምሕንፃፅ  ህዝቢ ትግራይ ከፅንቱ ደማዊ ኲናት ወሊዖም፡፡

ይኹን እንበር ወፅዓን ባርነትን ዘይቕበል ህዝቢ ትግራይ ናይ ውሽጥን ደገን ፀላእቲ ከከም ኣመፃፅእኦም ደምሲሱ መቐይሮ ነጥቢ ዝበሃል ዓወት ብምምዝጋብ ፀላእቲ እምብዛ ክሓፍሩን ክርዕዱን ይገብሮም ኣሎ፡፡

ፋሽሽትን ገበቲ ሓይልታትን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምድረ ገፅ ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ታሪኻዊ ዝምድና ዘይብሎም ሓይልታት ጥፍኣት ግዝያዊ ሽርክና ፈጢሮም ህዝቢ ብምትላልን ናብ ስምዒት ብምእታውን ናብ ዘካይድዎ ዘለዉ ደማዊ ኲናት ንኽኣልክዎ ናይ ብሕሶት ፕሮፓዳንድኦም ብምድንጋር ሙሉእ ዓቕሞም ተጠቒሞም ዝሰርሕሉ ወቕቲ በፂሕና ኣለና፡፡

ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህዝባውን ፍትሓውን ሕቶ ሒዙ ደመኛታት ፀላእቱ ብምድምሳስ ህላዉኡ ንምርግጋፅ ብዝፍጠሩ ዘለዉ ከበባታት ከይተበድሀ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ቃልሲ በፂሑ ኣሎ፡፡

ብፍላይ እቲ ምእንተ ህላወን ውሑስ መፃኢ ትግራይን ንኽገሃድ ዓርሞሸሻዊ ዓወታት ብምምዝጋብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሙ ዕድመ ፀላእቲ ንኽሓፅርን ትግራይ ብደቃ ተኸቢራ ንኽትነብርን መንእሰይ መስርዕ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ብምምላእ ሕድሪ ኣያታቱ ክፍፅም ከም ዝግባእ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ብሰንኪ ገበቲ ሓይልታት ካብ ሙዉቕ ናብርኦም ወፂኦም ተመዛቢሎም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኮይኖም ዝነብሩ ዘለዉ ተመዛበልቲ እውን ፀላእቲ ዝፈፀምዎን ይፍፅምዎ ዘለዉን ግፍዓዊ ተግባር ጠጠው ንኽብልን ከበባታት ንምፍንፃሕን መፍቲሕኡ ቃልስን ቃልስን ምዃኑ ኩሉ ዝስማዕምዐሉ ርትዓዊ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ዕድመ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምሕፃርን ትግራይ ሓራ ንኽትወፅእን  ግዜ እንተይቀተሉ ናይ ህዝቦምን መንግስቶምን ፃውዒት ኣኽቢሮም መስርዕ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብምምላእ ታሪኽ ንምስራሕ መናእሰይ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ክውስኑ ይግባእ።

ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ቃልሲ በፂሑ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን እቲ ቃልሲ ንኽኽምበት ኩሉ ትግራዋይ ናብ ቃልሲ ብምኽታት ናይ ባዕሉ ወርቃዊ ታሪኽ እናፃሓፈ ይርከብ፡፡

የጋጥሙና ዘለዉ ፀገማት ብትብዓት ብምፍንፃሕ ገበትን ፋሽሽትን ሓይልታት ደምሲስድና  ትግራይ ኣብ’ቲ ንሓልሞ ብርኪ ንኽትበፅሕ  መስርዕ ሰራዊትና ብምምላእ ታሪኽ ወለድና ንደግመሉ ሕዚ ብምዃኑ ካልእ ግዜ ክንፅበ ኣይግባእን፡፡
ብገ/መስቀል ኪሮስ

5690cookie-checkህዝባዊ

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: