
The Council of Ethiopian Civil Societies (ECCI) has held discussions with Tigray CSOs to help alleviate the problems on the ground after visiting the IDP centers.
Director of the Tigray Civil Society Board, Tesfaye G/Her, on his part, called on civil society organizations to play their role in alleviating the vast problems of the people of Tigray.
According to Haftom Gebreyohannes, the President of the Ethiopian Civil Society Council, Nigusu Leggese, said they will work with governmental and non-governmental organizations to alleviate the humanitarian crisis they witnessed on the ground.
# Haftom Gebreyohannes
ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቕልውላው ንምቅላል ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምትሕብባር እጃሙ ከምዝዋፃእ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ስቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ምስ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ዘተ ዘሳለጠ እንትኸውን ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ዑደት ድሕሪ ምስላጥ ኣብ ባይታ ዘሎ ፀገም ንምቅላል ዝሕግዝ ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ትካላት ስቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣይተ ሄኖክ መለስ ተዛሪቦም።
ዳይሬክተር ቦርድ ስቪክ ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ብወገኖም ስቪክ ማሕበራት ኢትዮጵያ መጠነ ሰፊሕ ፀገም ህዝቢ ትገራይ ኣብ ምቅላል ስቪክ ማሕበራት ግቡኦም ክዋፅኡ ፀዊዖም።
ከም ፀብፃብ መሳርሕትና ሃፍቶም ገብረዮሃንስ ኣብ ባይታ ዝረኣይዎ ሰብኣዊ ቕልውላው ንምቅላል ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ድማ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ስቪክ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣይተ ንጉሱ ለገሰ እዮም።
# ሃፍቶም ገብረዮሃንስ