ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት ትግራይን ሰዓብተንን ከበድቲ ግፍዕታት፣ ጉሕለት ንብረትን ከምዝፈፀሙን ይፍፅሙ ከምዘለዉን ተሓቢሩ።

fb img 1675897598673

ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት ትግራይን ሰዓብተንን ከበድቲ ግፍዕታት፣ ጉሕለት ንብረትን ከምዝፈፀሙን ይፍፅሙ ከምዘለዉን ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ገዳም ዋልድባ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ እምነትን ሰዓብቶምን ብሓይልታት ፅንተት ዓብይ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝበፅሖም መርበብ ሓበሬታ ትግራይ ኦንላይን ኣቃሊሑ።

ብዘይካ እዚ ካብተን ኣብያተ እምነት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ መፃሕፍቲ ብራና ፣ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ካብ ወርቂ ዝተሰርሑ ሰናቲም ፣ኢሉ እውን ብርክት ዝበሉ ብሩራትን ካልኦትን ብሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ከምዝተጓሓሉ እቲ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣብያተ እምነትን ሳዓብተንን ብዞም ሓይልታት ፅንተት ከበድቲ ግፍዕታት ከምዝተፈፀሙን ይፍፀሙ ከምዘለዉን ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ትግራይ ኦንላይን ፣ኾነ ተባሂሉ ዕንወትን ጉሕለትን ይፍፀም ከምዘሎ እውን እዩ ዝገለፀ።

እዞም ሓይልታት ፅንተት ሕዚ እውን ኣብ መሬት ትግራይ ኾይኖም መዓልታዊ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለዉን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፅኡን ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት የቕርብ ኣሎ።

60600cookie-checkሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት ትግራይን ሰዓብተንን ከበድቲ ግፍዕታት፣ ጉሕለት ንብረትን ከምዝፈፀሙን ይፍፅሙ ከምዘለዉን ተሓቢሩ።

Leave a Reply

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: