
ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስቪል ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ናብ ቦትኦም ናይ ምምላስ ከይዲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስቪል ምምሕዳራትን ኣካላት ፀጥታን ናብ ቦትኦም ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምፂ ወያነ ኣረጋጊፆም።
ብመሰረት ኣብ ፕረቶርያ ዝተኻየደ ስምሞዕ ሕገ መንግስታዊ ልኣላውነት ትግራይ ምሉአ ብ ምሉአ ክኽበር ይድንግግ ።
ይኹን አምበር ሕዚ እውን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ዞባታት ደቡብ ፡ ምዕራብን ፡ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብምህላዎም፣ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፁን ብሚልዮናት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሕገ መንግስታዊ ልኣላዊ ትግራይ ክኽበር ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ ።