ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስቪል ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ናብ ቦትኦም ናይ ምምላስ ከይዲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

fb img 1675897700485

ብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስቪል ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ናብ ቦትኦም ናይ ምምላስ ከይዲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ናይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስቪል ምምሕዳራትን ኣካላት ፀጥታን ናብ ቦትኦም ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምፂ ወያነ ኣረጋጊፆም።
ብመሰረት ኣብ ፕረቶርያ ዝተኻየደ ስምሞዕ ሕገ መንግስታዊ ልኣላውነት ትግራይ ምሉአ ብ ምሉአ ክኽበር ይድንግግ ።

ይኹን አምበር ሕዚ እውን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ዞባታት ደቡብ ፡ ምዕራብን ፡ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ብምህላዎም፣ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሎም ንክወፁን ብሚልዮናት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሕገ መንግስታዊ ልኣላዊ ትግራይ ክኽበር ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ተደጋጋሚ ፃውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ ።

60630cookie-checkብመሰረት ኣብ መንጐ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስቪል ምምሕዳር ዞባታት ትግራይ ናብ ቦትኦም ናይ ምምላስ ከይዲ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

Leave a Reply

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: