ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ስያትል መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም ።




ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተጋሩ ነበርቲ ስያትልን ከባቢኣን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት እንትነኽብር በቢ መድረኹ ዝገጥሙና ፈተናታት ብሓድነትን ዕቑር ተሞኩሮ ቃልስናን በዲህና ክንወፅእ ቃልና ነሐድሰሉ እዩ ምስ በሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መድረኽ ሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝብናን መንግስትናን ኮይና ንተግባራውነት ስምምዕ ሰላም እጃምና ክነወፊ ኢና ኢሎም ።
እቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣምባሳደራት ትግራይ ኮይኖም ኣብ ቃልሲ ዝፀንሑ ተጋሩ ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን መሪሕ እጃሞም ከምዝዋፅኡ ገሊፆም ።
ኣብቲ መድረኽ ‘ ብዙም’ መልእኽቲ ዘሕለፈ ኣባል ማእኸላይ ህወሓት ብፃይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ምስበለ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ህዝብና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈፀሞ ቃልሲ ብምንኣድ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እውን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።
መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን “11 ለካቲት መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን !” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ምኽባር ይርከብ ።
@Tplf