ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ስያትል መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም ።

fb img 1675897841336

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ስያትል መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተጋሩ ነበርቲ ስያትልን ከባቢኣን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት እንትነኽብር በቢ መድረኹ ዝገጥሙና ፈተናታት ብሓድነትን ዕቑር ተሞኩሮ ቃልስናን በዲህና ክንወፅእ ቃልና ነሐድሰሉ እዩ ምስ በሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መድረኽ ሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ጎኒ ህዝብናን መንግስትናን ኮይና ንተግባራውነት ስምምዕ ሰላም እጃምና ክነወፊ ኢና ኢሎም ።

እቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣምባሳደራት ትግራይ ኮይኖም ኣብ ቃልሲ ዝፀንሑ ተጋሩ ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እውን መሪሕ እጃሞም ከምዝዋፅኡ ገሊፆም ።

ኣብቲ መድረኽ ‘ ብዙም’ መልእኽቲ ዘሕለፈ ኣባል ማእኸላይ ህወሓት ብፃይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ምስበለ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ህዝብና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈፀሞ ቃልሲ ብምንኣድ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እውን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን “11 ለካቲት መሰረት ፅንዓትናን ውሑስ መፃኢናን !” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ምኽባር ይርከብ ።
@Tplf

60710cookie-checkማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ጨንፈር ስያትል መበል 48 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሮም ።

Leave a Reply

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: