ንዓመታት ኣብ ፀልማት ዝፀንሐት ትግራይ ኣብ ቐራባ እዋን ምስ ዓለም ምርኻብ ዋላ እንተጀመረት ሕዚ እውን ብዙሕ ከምዝተርፍ ኣክሰስ ናው ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

fb img 1675898191035

ንዓመታት ኣብ ፀልማት ዝፀንሐት ትግራይ ኣብ ቐራባ እዋን ምስ ዓለም ምርኻብ ዋላ እንተጀመረት ሕዚ እውን ብዙሕ ከምዝተርፍ ኣክሰስ ናው ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

ቅድሚ ኽልተ ዓመታት እቲ ኲናት ምውልዑ ስዒበየ ዝተቋረፀ ግልጋሎት ኢንተርኔትን ቴሌኮሙዩኒኬሽንን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክጋደዱን ዝኸፍአ ሓደጋ ህልውና ከጋጥምን ምኽንያት ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣመልኪቱ።

ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ግልጋሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ከምዘይረክብ ዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ኣክሰስ ናው ውሱን ግልጋሎት ዝረክብ ህዝቢ እውን ብሰንኪ ድኹምን ውሱን ፍጥነትን እቲ ግልጋሎት ኣብ ሓያል ፃዕሪ ከምዝርከብን ምሉእ ምምሕያሽ ንክግበረሉ ከምዝግባእን ኣገንዚቡ።

ግልጋሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ኣብ ትግራይ ምጅማሩ ዋላ እንተተገለፀ ኣዝዩ ድሑርን ፅልውኡ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ዝሽፍን ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።

ውሱናት ዳያስፖራ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩን ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ምስ ስድረኦም ፈተውቶምን ተራኺቦም ዝተሓዋወሱ ስምዒት ሓጎስን ሓዘንን ዋላ እንተገሊፁ ብኣንፃሩ ዛጊድ ምስ ስድረኦም ፈተውቶምን ዘይተራኸቡ ወገናት ድማ ኣብ ተስፋን ስግኣትን ወዲቖም ይፅበዩ ምህላዎም ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዝተዓፀወ ግልጋሎት ኢንተርኔት ንፁር ሓደጋ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ኣክሰስ ናው ኩሎም መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምዕፃው ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ክፍፅሙ ምኽንያት ከምዝኾነ እዩ ኣስሚርሉ።

60760cookie-checkንዓመታት ኣብ ፀልማት ዝፀንሐት ትግራይ ኣብ ቐራባ እዋን ምስ ዓለም ምርኻብ ዋላ እንተጀመረት ሕዚ እውን ብዙሕ ከምዝተርፍ ኣክሰስ ናው ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Discover more from Woyanay Tigray Media

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue Reading

%d bloggers like this: