ለካቲት – ካብ ደባይ ክሳብ ኣደባባይ
ኣብታ በረኻ፣ ኣብ ሕምብርቲ ዴማ፣ውሑዳት ግን ብዙሕ ተልእኾ ዝተሓንገጡ ደቂ ህዝቢ፣ ንመጀመርታ ግዘ በዓል ልደት ቃልሶም እንተኽብሩ ገና ኣብ ታተ እዮም ነይሮም። ዕድመ ልደት ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ብ11 ለካቲት 1968 ዓ/ም ሓደ ዓመት መሊእዎ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ዴማ ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ብድምቀት ከብዕሉ ዝተኣኻኸቡ በዝሒ ተጋደልቲ ካብ 100 ኣይበልፁን ነይሮም። ካብኣቶም እቶም ፍርቂ ዝኾኑ እውን ኣብ ታዕሊም ፀኒሖም ኣብቲ ዕለት ዝተመረቑ እዮም። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ሓፊስ ፀልማት ንምቕንጣጥ ዝወልዕዎ ጥዋፍ ነቲ ጋስም ጋሊሁ ሙሉእ ብርሃን ከም ዝተግሃደ ዘብስርሉ እዋን ክመፅእ እዩ ኢሎም ሃንቀው ይብሉ ነበሩ።

ሓንቲ ሽምዓ ኣብ ግስም ዝበለ ፀልማትን ህቦቡላ ንፋስን
በዓል 11 ለካቲት 1968 ዓ/ም እንትለዓል ብርክት ዝበሉ ኣብ ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ድሙቕ ቦታ ዘለዎም ረዘንቲ ዛንታታት ንረክብ። ዴማ፣ ህወሓት ሪችት ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ዝወለዐትሉ በረኻ ደደቢት ተዛዊራ ዝመረፀቶ ካልኣይ መዋፈሪ እዩ ነይሩ። ህወሓት ቁመና ውድብ ዝሓዘት እምበኣር ኣብኡ እዩ። መትንታት እቲ ውድብ ኮይኖም ዘገልግሉ ክፍልታት ንመጀመርታ ግዘ ዘጣየሸትሉ፣ መስራቲ ጉባኤ ኣካይዳ ብዕሊ መራሕታ ዝመረፀትሉ እውን እዩ – ዴማ።
መስራቲ ጉባኤ ዝተኻየደ ድማ ዕለት 11 ለካቲት 1968 ዓ/ም እዩ ነይሩ። እቲ ዕለት ብድምቀት ክሓልፍ ካብ ዝገበርዎ ፍልይ ዝበሉ ፍፃመታት ሓደ እውን መስራቲ ጉባኤ ህወሓት ምክያዱ እዩ። ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ መራሕቲ ውድብ ጥራሕ ኣይኮኑን ተመሪፆም። መስመር ውድብ ዝተነፀረ እውን ሻቡ እዩ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መስፍንነት፣ ደርግን ሓይልታት ትምክሕትን ምዃኖም፣ እቲ ቓልሲ ንሰለስቲኦም ፀላእቲ ዝድምስስ ደርባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ወያነ ምዃኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ንቓልሲ ዝለዓዓለሉ መልክዕ ቃልሲ ብሄራዊ ቃልሲ ከምዝኾነን ሕቶ ብሄራዊ ቃልሲ ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ከምዝፍታሕን ብቐዳምነት ዝምረፅ ዲሞክራሲያዊ ሓድነት ኮይኑ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ ድማ ዝተናወሐ ዕጥቂ ቃልሲ ገጠር ከምዝኸውን ተወሲኑ።
አብ ውድብ ዝህሉ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ድማ ኣብ ዓርስኻ ምኽኣል ዝተመስረተ ከምዝኾነ ብግልፂ ኣብቲ ፕሮግራም ሰፊሩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ደደቢት ፈሊሙ ኣንፃር ደርግ፣ መስፍንነትን ሓይልታት ትምክሕትን ዝግበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሙሉእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተሓጋጊዙ ከካይዶ ከም ዝግባእ ተነፂሩ። ንዕውትነቱ ድማ ህወሓት ምስ ካልኦት ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ብስሙር ግንባር ከም ዝተሓባበር ወሲኑ።ነተን ካልኦት ዴሞክራሲያውያን ዝበሃላ ውድባት እውን ፃውዒት ቀሪቡ። ስለዝኾነ ሕቶ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝምልስ፣ ኣንፃር ስርዓት ደርግ ኮነ መስፍንነትን ትምክሕትን ዝግበር ቃልሲ ንኽዕወት ዘኽእል ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ዕላዊ ዝተገበረሉ እዩ፤ ኣብታ ንመጀመርታ ግዘ ዝተኸበረት 11 ለካቲት ዝተሳለጠ መስራቲ ጉባኤ ህወሓት እዩ።
መስራቲ ጉባኤ፣ተሓሕት /ህወሓት እግሪ ኣብ እትተኽለሉ እዋን ዝተሳለጠ እዩ። ክሳብ ሽዑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብርክት ዝበሉ ፀገማት ሰጊራ እኳ እንተነበረት ብፍላይ ግና ክልተ ዓበይቲ ሓደጋታት ኣጋጢሞም ነይሮም። ካብቶም ሓደጋታት ከዓ እቲ ሓደ ኣብ ደደቢት ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ እዩ ነይሩ።ቀልጢፉ ኣብ ቁፅፅር ስለ ዝወዓለ ግና እቲ ሓደጋ ተሰጊሩ።እቲ ካሊእ ሓደጋ እቶም ኣብ ዕለተ መድረኽ መስራቲ ጉባኤ ለካቲት ዓሰርተ ሓደ እንትኽበር ታዕሊሞም ዛዚሞም ዝተመረቑ ተዓለምቲ ብሰላሊ ደርግ ኣንፀላልዩዎም ዝነበረ ሓደጋ እዩ። ደርግ ዝለኣኾ ሰላሊ /ጃሱስ/ ተዓላማይ መሲሉ ብምእታው ነቶም ተዓለምቲ እናጠቆመ ክስልሉ ደርግ ከምዝለኣኾም ንኣመራርሓ ህወሓት ብምሕባር ከቢድ ጭንቀትን ምብትታንን ናይ ምስዓብ ሓደጋ ናብ ዘሪአሉ ብርኪ በፂሑ ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ስለዝተነቕሓሉ ግና ድሕሪ ብዙሕ ምድንጋርን ካብ ደርጊ ዝተውሃቦ ተልእኾ ሒዙ ዝመፀ ከዳዕ ከምዝኾነን ተቓሊዑ። እቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እታ ዕሸል ውድብ ዝሰገራቶም ከበድቲ ሓደጋታት ድማ እዚኣቶም ነይሮም።
ስለዝኾነ እታ ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ግስም ዝበለ ፀልማትን ህቦቡላ ንፋስን ብዝተወለዓት ሓንቲ ሽምዓ ዝተኸበረት በዓል 11 ለካቲት 1968 ዓ/ም እቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ታሪኻዊ ፍፃመታት ዘተኣናኣናገደት እያ ነይራ። ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ በዓል ተኣኻኺቦም ዘኽብሩ 100 ተጋደልቲ ህወሓት ውሕዳት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ዝሓዝወን ዕጥቅታት እውን ድሑራትን ብቑፅሪ ንኹሎም ዘይኣኽላን እየን ነይረን። ኣብቲ ብርኪ ኮይኖም ዘበናዊ ኣፅዋር ዝወነነ ደርግ ክስዕሩ ነዊሕ እንትህቅኑ ግን ሓደ ዝተኣማመንዎ ሃፍቲ ጥራሕ እዩ ነይርዎም።ንሱ እውን ቃልሶም ህዝባዊ ምዃኑ እዩ። ኣዝዩ ፈታንን ነዊሕ ግዘ ዝወስድን ብዙሕ መሪር መስዋእቲ ዝኽፈሎን ምዃኑ ኣይሰሓትዎን። ስለዚ እውን ክብደትን ዕምቆትን እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ቀደሞም ተረዲኦም”ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ፤ ዓወትና ናይ ግድን እዩ” ዝብል መሪሕ ቃልሲ ተሓንጊጦም። እቲ መስመር ቃልሲ ምእንተ ፍትሕን ርትዕን፣ ምእንተ ማዕርነትን ህልውናን ህዝቢ ስለዝኾነ ግና ኣብ ከይዲ ህዝቢ እናዕሰለ፣ ንደርጋውያን እናነፀለ እቲ ዝሃቀንዎ ዓወት ከም ዝግሃድ ርግፀኛታት ነይሮም።
ኣብታ ኣብ እዋን ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኮይኖም ንመጀመርታ ግዘ ዘብዐልዋ ቀዳማይ ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት፣ድሕሪ ውድቀት ደርግ ከም ዛንታ እትዝከረሉ እዋን መዓዝ ከምዝኸውን እኳ ርግፀኛታት እንተዘይነበሩ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፣ ሓደ እዋን ንመጀመርታ ግዘ 11 ለካቲት ኣብ እዋን ሰላም እንትትበዓል ዛንታ ምዃና ከም ዘይተርፍ ግና ምንም ኣይተጠራጠሩን።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ተሓሕት ህወሓት ዝፈለሞ መሪር ናይ ገጠር ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዝተጠናኸረን ንፁር ፖሊስን ስትራቴጂን ተመሪሑ ቀፂሉ። ከምቲ ዝተገመተ ድማ እቶም ቃልሲ ዝፈለሙ እናተሰውኡ፣ ካልኦት ሓደሽቲ እናተተክኡ እቲ ቃልሲ የመና እናኸረረ፣ እናመረረ፣ እናተረረ ከይዱ።
እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ህዝባውነት እቲ ቃልሲ ስለዝፈለጠ፣ ኣብቲ መስመር እናዓሰለ፣ ደቁ እናጋደለ “ኣጀኹም ደቀይ” እናበለ ነቕ ዘይብል ደጀን ክኸውን ጀሚሩ፤ ቀፂልሉ እውን። ነዚ ዝተዓዘበ ደርግ ንህወሓት ብዓሳ መሲሉ፣ ንህዝቢ ትግራይ ብባሕሪ ወኪሉ፣ “ዓሳ ንምሓዝ፣ ባሕሪ ምንፃፍ” ኢሉ ጎድና ጎድኒ እቶም ንሰራዊት ህወሓት ክጭፍልቕ ዘካይዶም ዝነበረ ወራራት ንህዝቢ ትግራይ ከፅንት እውን ዝከኣሎ ፈፂሙ። ግን ድማ ንህዝባዊ መስመር መን ክስዕሮ?! ንዝሓረነ ህዝቢ መን ከሰኩኖ?! ማንም።
እቲ ኣብ ደደቢት ኮይኖም እቶም ጀመርቲ ቃልሲ ዝኣመትዎ፣ እቲ ኣብ ዴማ ከይዶም ኣብ 11 ለካቲት 1968 ዓ/ም ውሕዳት ተጋደልቲ ህወሓት ዝሃቀንዎ እማን ኮይኑ። ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመታት ስርዓት ደርግ ከም ዘየዳግም ተደርዒሙ። 20 ጉንበት 1983 ዓ/ም ዜና ብስራት ዓወት ኣብ ሙሉእ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ኣቃሊሑ።
ኣብ ጉዕዞ እቲ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን እንተኾነ ብዙሓት በዓላት 11 ለካቲት ሓሊፈን እየን። በዓል ለካቲት ምስኲናትን መስዋእትን ጥምየትን ዕርቃንን ድኻምን መጉዳእትን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ተባዒሉ እዩ። ብድሕሪኡ እትበዓል ለካቲት ከምተን ቅድሚኡ ዝነበራ ለካቲታት ኣብ እዋን ኲናት ኮይንካ ዘይኮነትስ ሰላም እናስተማቐርካ ከም ዝኸውን ተረጋጊፁ። ከምታ ንፈለማ እዋን ኣብ እዋን ኲናት ኮይንካ ኣብ ዴማ ዝተኸበረት በዓል 11 ለካቲት፣ ንፈለማ እዋን ኣብ እዋን ሰላም ኮይንካ እትበዓል 11 ለካቲት ኣብ 1984 ዓ/ም ጠበቕ ኢላ። ኣብ ወጥርን ጭንቀትን ኣብ ተስፋን ፅልምትምትን ዘይኮነስ ኣብ ሰላምን ዝተጨበጠ ዓወትን ኮይንካ ክትበዓል ታሪኽ ሓርዩዋ፤ በዚ ድማ 11 ለካቲት 1984 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተኸቢራ።
ፀልማትን ንፋስን በዲሆም ዝደመቑ ዓመታት !
ህዝብን ተጋደልትን ንመጀመርታ ግዘ እንትተኣኻኸቡ ዝነበረ ስምዒት ልዕሊ እቲ ብቃላት ዝግለፅ እዩ። ቦንባታት እናዝነባ ፆታ፣ ዕድመን ሃይማኖትን እንተይፈለያ ህዝቢ ትግራይ ዝጭፍጭፋ ሄሊኮብተራት ኣብ ልዕሊ እቲ 11 ለካቲት ከኽብር ኣብ ዓዲ ሓቂ ፎጭ ዝበለ ህዝቢ ሰቲ ምስ ነስነሳ ታሕጓስ ህዝብን ተጋደልትን ሰማይ በፂሑ። መራሕቲ ህወሓት እውን ምስ ህዝቦም ዛንታ ክፀውዩን ንጉዕዞ ቀፃሊ ቃልሲ ሰላማዊ መልእኽቲ ከሕልፉን ፊትንፊት እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ይረኣዩ ነበሩ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ጎይላን ሳዕስዒትን ድማ ኣቦ ወንበር ህወሓት/ኢህወደግን ፕረዚደንት ስግግር መንግስቲ ኢትዮጵያን ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ስምዒቱን ስምዒት ብፆቱን ክገልፅ ናብ መድረኽ ወፅአ። ቀፂሉ ከዓ ተጋዳላይ መለስ ብዛዕባ እተን ትማሊ ኣብ ሓውዜንን ካልኦት ከባብታት ትግራይን ብሰማይ ሓዊ ዘዝነባ ብሳላ መስዋእትና ብዝተረኸበ ሰላም ድማ ሰቲ ዝንስንሳ ዘላዋ መደርኡ ጀመረ።”ኣብ ሓውዜን ሓውን ባርዕን ዝነስነሳ ሄሉኮፕተራት ኣብ ዓዲ ሓቂ ሰቲ ሰምሃል ምንስናሰን ናይ ብሓቂ ዘበን ተለዊጡ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ፤ ዘመነ ሞትን መከራን ሰጊርናዮ ከም ዘለና ዘረድእ እዩ”በለ መለስ። ዘረብኡ ቀፂሉ “ዝሓለፈ 17 ዓመት መሊስና መላሊስና ክንዝክሮ ኣለና። ምእንታ ቁስልና ክንሓክኽ ኣይኮነን፤ ቂምና ክነሓይል ኣይኮነን፤ ብዓወትና ተሓቢንና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ንቀፃሊ ጉዕዞና ዘላቒ ትምህርቲ ንምርካብ እዩ” ኢሉ የማነ ፀጋም ኣስተብሃለ።
ኩሉ ህዝብን ተጋዳላይን ብተመስጦ እዩ ዘድምፆ ዘሎ። ነዚ ምስ ኣረጋገፀ መሊሱ ናብ ዘረብኡ ኣተወ።”ኩሉ ታሪኽ ጅግንነት ቃልሲ 17 ዓመታት ኣብዚ ምዝርዛር ኣይከኣልን። ሓድሓደ ዓበይቲ ነጥብታት ግና ምዝካር የድሊ” ብምባል ናብ ውሽጥኻ ሰርሲሩ ዝኣትዉ መልእኽቲ ፅንዓትን ዓወትን ቀፀለ። እቲ ሓደ ዘልዐሎ ዛንታ ኩነታት ጥንካረን ዓቕልን ህዝቢ ትግራይ ምስ ድርቂ 1977 ዓ/ም ብምትሕሓዝ እዩ። ደርግን ድርቅን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ንህዝቢ ትግራይ ናብ መንቀራቕሮ ምስ ኣእተዉዎ፣ህወሓት ናብ ሱዳን ኣስጊሩ ብረድኤት ነቲ ፀገም ከሕልፎ ዝገበረትሉ ፍፃመ ዘይርሳዕን ዘሐብንን ታሪኽ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ናብ ሱዳን ምስ ኣተወ እንተኾነ እውን እቲ ሓገዝ ቀልጢፉ ኣይተውሃበን። ተፀብዩ ዝረኸቦ እውን እኹል ኣይነበረን። ህዝቢ ትግራይ ግና ብዓቕሊ ሓሊፍዎ። መለስ እውን ነዚ እዩ ዘዘኻከረ።”… ንሱዳን እኽሊ እንተረኸብኩ ኢሉ እዩ ከይዱ። ኣብኡ ጠምዩ ዝሞተ እናቐበረ ተፀብዩ። ምስጋና ሰብኣዊ መንፈስ ንዘይተፈለዮም ደገፍትና ህዝብታትን መንግስታትን ይኹን እኽሊ መፂኡ። እኽሊ እንትመፅእ፣ እኽሊ ሓሪሙዎ ዝነበረ ህዝቢ ክመናጠል ኢሎም ተፀብዮም፤ እቲ እኽሊ ውሑድ ስለ ዝነበረ፤ ንኹሉ ዘይባፃሕ ስለ ዝነበረ” ንዓይ፣ ንዓይ ክብል እዩ ኢሎም ተፀብዮም ነይሮም። ነገር ግን ተር ኢሉ ተሰሪዑ፣ ዝረኸበ ረኺቡ ዘይረኸበ ርእሱ ኣድኒኑ እንትምለስ ሪአምዎ። ሽዑ “መን እዩ እዚ ህዝቢ እዚ? መን እዩ ብጥሜት ብጨፍጫፍ ዘይፍታሕ ህዝቢ መን እዩ’ ኢሎም” እናበለ ተጋዳላይ መለስ እንትዛረብ ኣብ ገፁ ሕራነን ኩርዓትን ይንበብ ነይሩ። ካልኦት ኣብቲ በዓል ዝነበሩ ተጋደልቲ እውን ተመሳሰሊ ስምዒት ይንበቦም። ዘይፍታሕ ፅንዓት ህዝቢ ትግራይ ሕስብ እንትብልዎስ እናግረመሎም ግዲ ኮይኑ ብኣግራሞት ርእሶም የማነ ፀጋም ዘወዛውዙ ብዙሓት እዮም ነይሮም።
ተጋዳላይ መለስ ፣ ኣብታ ንመጀመርታ ግዘ ኣብ እዋን ሰላም እትበዓል ዝነበረት 11 ለካቲት ኮይኑ ብዛዕባ ፅንዓትን መስዋእትነትን ብዛዕባ ዓወትን ሰዓራይነትን ህዝቢ ትግራይ ምዝራብ ቀፂሉ። ናብ ሱዳን ዝተሰደደ ህዝቢ ብጡሙይን ብፅምኡን ኣብ ካልኦት ተራእዩ ዘይፈልጥ ስነ ምግባር ተላቢሱ ኣብ ቅድሚ ዓለም ተምሳሌት ፅንዓት ምዃኑ ከምዘረጋገፀ ማህደር ታሪኽ እናገንፀለ ምዝራቡ ቀፂሉ። “ከምዚ ሎሚ እንተይኮነስ ለካቲት 1977 ዓ/ም እንትኽበር፣ ብዙሓት ወፃእተኛታት ነይሮም ኣብቲ ካምቦ። ንዓኣቶም 11 ለካቲት ካብ 12 ለካቲት ኣይትፍለን። ንህዝቢ ትግራይ ግና “11 ለካቲት ተራ መዓልቲ ኣይኮነትን። ስለዚ ኣብ እዋን ጥሜት ቆንጢሩ ቆንጢሩ ብዝሓብአን እኽሊ ስዋ ፀሚቑ፣ ኣብ ደምበ ስደት ሓደ መዓልቲ ሃንደበት “ሆ” ኢሉ ተላዒሉ። ሽዑ ወፃእተኛታት ተደናጊሮም። ‘እኽሊ ውሒዱና፤ ከፊኡና፣ መሪሩና ደኾን ኢሉ ተላዒሉ ይኸውን’ ኢሎም ተደናጊፆም፤ “11 ለካቲት እዩ ዘኽብር ዘሎ” ዝብል ወረ ክሳብ ዝሰምዑ። ዝኸፍአ ጥሜት እውን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ቃልሲ ከም ዘይፈልዮ፣ ከም ዘይምብርከኽ ኣረጋጊፁ” ኢሉ ድማ የማነ ፀጋም ጠመተ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ። ሕዚ እውን ሙሉእ ቀልቢ ህዝቢ ንዘረባ ተጋዳላይ መለስ እዩ ዘዳምፅ ዘሎ። እቲ ጅግና ህዝቢ እውን መገዛ ባዕሉ ዝፍፀሞ ትብዓትን ፅንዓትን ገሪምዎ “እምበርከ ኣነ ድየ ፈፂመዮ እዚ ታሪኽ?”ኢሉ ክሳብ ዘስተንትን ንዘረባ ተጋዳላይ መለስ ብፍፁም ተመስጦን ምግራምን የዳምፆ ነበረ።
ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ምዝራብ ቀፂሉ መለስ “ህዝቢ ትግራይ ካልኣይ ዜጋ ክኸውን ኣይደልን። ርእሲ ካልኦት ክኸውን እውን ኣይምነን …” እናበለ ቃልስን ፅንዓትን ህዝቢ ትግራይ በብሓደ ምስገለፀ ዋላ እኳ ብዙሕ መስዋእትን ገልታዕታዕን፣ ብዙሕ ክሳራን ዓቐብ ቁልቁልን እንተኸፈለ ሕዚ እውን ካሕሳ እንተይተፀበየ ብርሃፁ ድኽነት ንምስዓር ክቃለስ ከም ዘለዎ ብኣፅንኦት ተዛረበ።
መደረ መለስ ዘይተንከፎ ርእሰ ጉዳይ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ፀሓይ ደርጊ ዓሪባ ከም ብሓዱሽ ፀሓይ ህዝቢ ትግራይ እንትትበርቕ ተጋድሎ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝነበሮ ብፅሒት ዝርሳዕ ኣይኮነን። ስለዝኾነ እውን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣንደበት መለስ ይውደሳ ነይረን።ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህወሓት ካብታ ፈላሚት ተቓላሲት ህወሓት ዝኾነት ካሕሳ /ማርታ/ን ፈላሚት ስውእቲ ዝኾነት ኣልጋነሽ ካሕሳይን ጀሚረን ኣንፃር ደርግን ካልኦት ፀረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ሓይልታትን ተዃሺሐንን መስተንክር ፈፂመንን እየን። ኣብ ዓዲ ዝነብራ ኣዴታት እውን ሽግ ወየንትን ካድረታትን ኮይነን ህዝቢ ናብ ቃልሲ ካብ ምልዕዓል ጀሚረን ክሳብ ምግቢ ምቕራብ ተኣምር ፈፂመን እየን”። ብምባል መለስ ተዛሪቡለን።
“ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንክልተ ሰለስተ ሰሙን ደድሕሪ ሰራዊት፣ መድፍዕን ነፋሪትን እናተጓዓዛ መስተንክር ሰሪሐን። እዚኣተን እተን ኣብ ገዛ ዝነበራ እየን። እተን ናብ በረኻ ዝወፃ ከምተን ብፆተን ፈንጂ ብእግርኽን ርገፃ ክበሃላ ከለዋ ፈንጂ ብእግረን ይፀርጋ ነይረን” … እናበለ ቀፀለ መለስ።”ሎሚ ተመሊስክን ናብቲ ማጀት ክትኣትዋ የብልክንን፤እቲ ማጀት እውን የድሊ፣ እቲ ኣደባባይ እውን የድሊ። ኩሉናትክን እዩ፤ ይግበኣክን እዩ፤ ኩሉ ይምልከተክን እዩ” ብምባል ድማ እቲ ፍርያት ቃልሰንን መስዋእተንን ዝኾነ ማዕርነተን መሊአን ክጥቀማሉ ከም ዝግባእ ሓበረ።
እቲ ኩሉ ስቓይን ጨፍጫፍን ሓሊፉ፣ እቲ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቓልሲ ተዛዚሙስ ህዝብን መራሕቱን ናይ ልቦም ክትንፍሱ ዕድል ረኺቦም። እቶም ኣብ ሓደ ዓዲ እናሃለዉ ብሰንኪ ፀላእቲ ማዕዶ ንማዕዶ እናተነፋፈቑ 17 ዓመታት ዝዘለቑ ነበርቲ ከተማታትን መራሕትን ተጋደልትን ኣብ ሓደ በዓል፣ ኣብ ሓደ መድረኽ ኮይኖም ከዋግዑ ጋህዲ ኮይኑ። በዚ ድማ ህዝቢ ንዘረባ መለስ ብእዝኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኹሉ ኣካላቱ እዩ ዝሰምዖ ነይሩ።
“ኣንቱም መናእሰይ”
ተጋዳላይ መለስ ዘረብኡ ናብ ምዝዛም ገፅ ምስ ኣበለ “ኣንቱም መናእሰይ” ዝብል ድምፂ ኣስምዐ። ፍልይ ዝበለ ድምፂ ነይሩ፤ ፃውዒት ዝመስል ድምፂ። ኣእዛንን ሕልናን ህዝቢ ብዝበለፀ ናብ ዘረባ ተጋዳላይ መለስ ኣነፃፀረ። ቀፀለ መለስ “… ኣብዚ ንኽትበፅሑ ኣየታትኩም ርሂፆም እዮም፤ ኣያታትኩም ደምዮም እዮም፤ ኣያታትኩም ፈቐዶ ሽንጥሮ ተሪፎም እዮም፤ ኣያታትኩም ኣዕፅምቶም ፈቖዶ ጎቦ ዘሪኦም እዮም” ምስ በለ ንድሕሪት ብሓሳብ ተመሊሱ ዘስተንትን ዘሎ ይመስል ነበረ። የማነ ፀጋም ቆላሕላሕ ኢሉ ድማ ዘረብኡ ቀፀለ “… እዘን ኣዕፅምቲ ከይትረግፅወን፤ ከይተራኽስወን፤ ትግራይ ክትለምዕ እያ ብዝብል እየን ተዘሪአን። እቲ ኩነታት ምስተፈጥረ ኣያታትኩም ከይትጠልሙ። ለየትን ቀትርን ፀዓሩ፤ ዝኸኣልኩም ተምሃሩ። ወዘንዘን ኣብ ዝኾነ መንእሰይ ክህሉ የብሉን። ወዘንዘን ኢሎም ኣይኮኑን ኣያታትኩም ኣብዚ ኣብፂሐምኹም” ድማ በለ። ከምኡ እናበለ እውን መልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላለፈ።
እወ!። ቀዳማይ ዓመት 11 ለካቲት 1968 ዓ/ም ኣብ ዴማ እንትኽበር መናእሰይ ናብ ቃልሲ ስለ ዝወሓዙ ብመስዋእቶም ደርግ ዝድምስስሉ ኣንፈት ተሓንፂፁ። በዚ ድማ ኣብቲ ዘበን ፀላም ተኣኻኺቦም ነቲ በዓል ዘብዓሉ ተጋደልቲ ንመስዋእቲ ቃል ኣትዮም።ስርዓት ደርግ ደምሲሶም ህዝቦም ናብ ዘበነ ራህዋን ሰላምን ከሰጋግሩ ነዊሕ ኣሚቶም ተማኺሮም።
መለስ ንመናእሰይ ካብ ዘሕለፎ ዘመን ዘይስዕሮ መልእኽቲ “እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረ ኣያታትኩም ከይትጠልሙ” እትብል ሙሉእ ሓሳብ መዚዝና ንርአ። እዚ ዝበለ ካብ ዓለምለኸ ተመኩሮታት ቃልሲ ብምብጋስ እዩ። በቲ ዝተኸፈለ መሪር ዋጋ ሰላም፣ ራህዋን ልምዓትን ምስተረኸበ፣ ሃፍትን ማቻን ምስተጠረየ ነቲ ናብኡ ዘብፀሐ ታሪኽ ወለድኻ ምርሳዕ የጋጥም እዩ።ነቲ ሕሉፍ ምርሳዕን ነቶም ሓደጋታት እቲ ህልው ኩነታት ኣቃሊልካ ምርኣይን የጋጥም እዩ። እዚ እንትኸውን ከምቲ ሕዚ እንዕዘቦ ዘለና ነቲ ኩነታት ተበሊፆም ፀረ ሰላም ሓይልታት መሊሶም ርእሶም ዘቕንዕሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። እዚኣ ከይትኹውን እዩ ድማ መለስ “ሓደራ” ዝበለ።ስለዚ ሕዚ እውን እቲ ኩነታት ምስተፈጠረ ኣያታትና ምጥላም ኣየድልን ጥራሕ ዘይኮነስ ለይትን ቀትርን ብንቕሓት ምክትታል ዝጠልብ እውን እዩ፡፡
ኣብ ማእኸል ከተማ መቐለ፣ ኣብ ዓዲ ሓቂ፣ ቀትሪ ምድሪ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ጎልጎል ፎጭ ኢሉ ብዘይስግኣት የዳምፅ። ተጋዳላይ መለስ እውን ካብ መዓሙቕ ልቡ ዝመንጨወ ሓሳቡ ብዘይምንም ስግኣት ይዛረብ። ከምተን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበራ በዓላት 11 ለካቲት ነፈርቲ ደርግ ከይመፃ እናሰጋእኻ ምብዓል እማን ነበረያ ነበረ ኮይኑ። ኣብ ደባይ ውግእ ብሕብሕቢኢተይ እትብዓል ዝነበረት 11 ለካቲት ኣብ ኣደባባይ እትበዓለሉ ምዕራፍ ተበሲሩ። ለካቲት ካብ ደባይ ክሳብ ኣደባባይ ዝብል ርእሲ ፅሑፍና እውን እዚ ንምምልኻት ዝመረፅናዮ እዩ።